Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

iran persia


ኢሳይያስ 44:28 | 9 Helpful votes

ብዛዕባ ቂሮስንሱ ጓሳይ እዩንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውንክትስረት እያ፡ ዚብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
እዝራ 1:1-4 | 8 Helpful votes

ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ። ኣብ ዂላ ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ አወጀ። ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብልእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸኣ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ። ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ

Translation | Context
ህዝቅኤል 38:1-23 | 7 Helpful votes

ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፣ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልንመልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉበልውንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክ ቱባልን ኣብ ክሳድካ አሎኹ። ክመልሰካ፣ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፣ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካኣፍራስን ፈረሰኛታትን፣ ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፣ ኵላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፣ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፣ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ። ጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፣ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም። ተዳሎ፣ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፣ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፣ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተአከበት፣ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፣ ኵላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ። ንስኻ ኽትድይብ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፣ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብባ ደበና ኽትከውን ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፣ እኩይ እማመ ኽትአምም ኢኻ፣ እሞ፣ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፣ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፣ ዅላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፣ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፣ ክትብል ኢኻ። ክትማርኽን ክትብዝብዝን፣ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፣ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፣ ካብ ህዝብታት እተአከበ፣ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። ሳበን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኵርምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካዘመተ ኽትዘምትብሩርን ወርቅን ክትወስድከብትን ሃብትን ክትሕዝብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮምኪብሉኻ እዮም። ስለዚ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠኣይክትፈልጦን ዲኻ፡ ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፣ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ። ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፣ ናብ ህዝበይ እስራኤልል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፣ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፣ እቶም ህዝብታት፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩኪፈልጡንስ፣ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣባኦም ክም ጸምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፣ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፣ ይብል አሎ። ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል አሎኹ፣ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራአኢል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኸውን እዩ። ሽዑ ዓሳታ ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኵሉ ኣብ ምድሮ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥኣኻውሕ ኪፈርስ፣ ኵሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኸውን እዩ። ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣባኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ጽያፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምኻነይ ክግሀድ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንስቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

Translation | Context